icon-instagramicon-tiktokicon-twittericon-youtube

Suche
Link zur Seite versenden   Ansicht zum Drucken öffnen
 

Wer wir sind

Die Eritrean Blue Community-Germany e.V. ist eine engagierte Gemeinschaft von eritreischen Migranten, Flüchtlingen und deren Unterstützern, die sich für die Förderung und Unterstützung der eritreischen Gemeinschaft in Deutschland einsetzt. Gegründet im August 2023, besteht unser Hauptanliegen darin, denjenigen zu helfen, die vor dem repressiven Militärregime in Eritrea geflüchtet sind und auch in Deutschland mit Verfolgung konfrontiert sind.


Wir sind eine gemeinnützige und unparteiische Organisation, die durch kulturelle Veranstaltungen, Integrationskurse, politische Aufklärung, und verschiedene Beratungsdienste unsere Gemeinschaft stärkt und unterstützt. Durch internationale Vernetzung und Zusammenarbeit mit anderen Organisationen und Einzelpersonen, die unsere Ziele teilen, maximieren wir unsere Wirkung und tragen zur Förderung des gegenseitigen Verständnisses zwischen den Kulturen bei.


Unsere Motivation entspringt dem Wunsch, eine starke, vereinte Stimme gegen das Unrecht zu erheben und eine solidarische Gemeinschaft zu bilden, die gemeinsam für Menschenrechte und demokratische Veränderungen kämpft.


ሰመያዊ ማሕበረሰብ ጀርመን

ኣብ ባይታ ክትዕወት፡ ቅድም ኣብ ርእስኻ ተ ዓወት (መላኺ ርእስኻ ኩን )

  1. ... ነታ ትምነያ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ ኣቐዲምካ ኣብ ርእስኻ እንተ ስኢልካያ ክትዕወት ኢኻ፡

  2. ... እቲ ወትሩ ትሓስቦን ትብሎን ትገብሮን ብስም ህዝቢ ምዃኑ እንተ ኣሚንካ ክትዕወት ኢኻ። ምኽንያቱ ሕማቕ እንተ ጌርካ ንህዝብኻ ጐዳእካ፡ ጽቡቕ እንተ ገበርካ ድማ ንህዝብኻ ረባሕካ። ኣብዚ እንተ ኣሚንካ ክትዕወት ኢኻ

  3. ... "መን ተዛሪቡ፧" ዘይኮነ፡ "መን እንታይ ነጥበ ሓሳብ ተዛሪቡ፧ " ኣብ ዝብል ኩርናዕ ጸኒዕካ ደው እንተ ኢልካ ካብ ወገንነት ሓራ ስለ ዝኾንካ ክትዕወት ኢኻ፡

  4. ... ንዝደለኻዮ ውልቀ ሰብ፡ ኣውራጃ፡ ሃይማኖት ወይ ድማ ብሄር ናብ ስልጣን ንምምጻእ ዘይኮነ፡ ነቲ ንኹሉ ብሓደ ዓይኒ ዝጥምት ሕጊ ከተንግስን ሕጊ ክመርሓካን ትቃለስ እንተ ደኣ ኣለኻ ክትዕወት ኢኻ፡

  5. ... ነቶም ናብ ዓዲ ዘእትዉ ናብ ዓወት ዘብቅዑ ሰንሰለታት (ናይ ቃልሲ ደረጃታት ) ብቅደም ተኸተል እናኣተግበርካዮም እንተ ተቓሊስካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  6. ... ናይ ሰባት ጸግዕን ደገፍን ከይተጸበኻ ሓቂ ሒዝካ እንተ ጸኒዕካን እንተ ተቓሊስካን ሓቂ ሓራ ስለ ተውጻኣካ፡ ነቶም ብዙሓት ናብ መኣዲ ቃልስኻ ብምምጻእ ክትዕወት ኢኻ፡

  7. ... ናይ ዝፈጸምካዮም ጌጋታትን ጉድለታትን ሓላፍነት ክትስከም ድሉው እንተ ኮይንካን ብተግባር እንተ ነቢርካዮምን ክትዕወት ኢኻ፡

  8. ... ይቕረ ሓታትን ምሕረት ወሃብን እንተ ኮይንካ ክትዕወት ኢኻ፡

  9. ... ካብ ሓሳብካ ጀሚሩ ኩሉ ንጥፈታትካ ኣብ ቅድሚ ፈጣሪ ትፍጽሞ ከም ዘለኻ እንተ ኣሚንካ ክትዕወት ኢኻ፡

  10. ... ንጸላኢኻ ብጽልኢ ዘይኮነ ብፍልጠት ክትገጥሞ ድሉው እንተ ኣለኻ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  11. ... ናይ ሓሳብ ፍልልያት እቶም ብዘይ ዝኾነ ክፍሊት ዝርከቡ ንዝተዓጽወ መዓጹ ሰቢሮም ዝኸፍቱ ዝኸበሩ ህያባት ናይ ቃልስን ዓወትን ምዃኖም እንተ ኣሚንካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  12. ... ወገናዊ ኣንነትን ትዕቢትን መገዲ ዓወት ኣይኮኑን። ብኣንጻሩ መገዲ ውድቀት ምዃኖም እንተ ኣሚንካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  13. ... ብቐሊሉ ክፍትሑ ዝኽእሉ ትርጉም ኣልቦ ግርጭታት ተቓለስቲ፡ ዓበይቲ ዓወታት (ረብሓታት) ናይ ጸላኢ ምዃኖም እንተ ኣሚንካ ክትዕወት ኢኻ፡

  14. .... ሃገር ማለት ህዝቢ ምዃኑ፡ ህዝቢ ንምድሓን ከኣ ብድሕነት ውልቀ ሰብ ከም ዝጅምር ኣሚንካ ንመሰል ሓደ ሰብ ደው እንተ ኢልካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  15. ... „እንታይ ገደሰካ፧" ካብ ዝብሉ ሰባት እንተ ርሒቕካ፡ "እንታይ ገደሰኒ" ካብ ዝብል ድኹም መረዳእታ'ውን ሓራ እንተ ኮይንካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  16. ... ኣብ ዓዲ ዘሎ ህዝብና ብፖሎቲካዊ ንቕሓትን ኣፍልጦን ማዕረኻ ክኸውን ከም ዘይክእል፡ ኣብ ጸልማት ከም ዘሎ ፈሊጥካ ኣብ ሚድያ ወጺኡ ብዝብሎ እንተ ዘይተቐይምካን እንተ ዘይቀንጺልካን ቅኑዕ ሚዛን ሒዝካ እንታይ ክትገብር ከም ዘለካ ተረዲእካ ስለ ዘለኻ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  17. ... ቈየቛን ጸርፍን ኣብ ቃልሲ ናይ ቃልሲ ርሕቀትካን ኣብ ቃልሲ ንዘለካ ተጸዋርነትን ኣጉሊሖም ዘርእዩ መስትያትካ ምዃኖም ተረዲእካ ፍረ ሓሳብ ክትዘርእን ህዱእ መንፈስ ክትውንንን እንተ ክኢልካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  18. ... ፍልጠትን ምሕረትን ዝዓጠቐ በዓል ዕላማ እምበር፡ ጽበትን ቂምታን ዝዓጠቐ ተቓላሳይ ወላ እንተ ሰዓረ ክዕወት ከም ዘይክእል እንተ ኣሚንካ፡ ካብ ጸቢብነትን ናይ ኮንትነት ቃልስን ሓራ ስለ ትኸውን ነባሪ ዓወት ንምምጻእ ሰሪሕካ ክትዕወት ኢኻ፡

  19. ... ንጸላኢኻ ብፍልጠት እንተ ገጢምካ፡ ንህዝብኻ ተማእዛዚ ምዃንካ ዝገልጽ ንጹር ራእይ ኣንጺፍካ ፡እንተ ተበጊስካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  20. ... ኣብ ልቢ ህዝቢ ሓዲርካ ንኣእምሮ ህዝቢ ካብ ጸላኢ መንዚዕካ ብመንፈስ ኣብ ጐንኻ ከም ዝስለፍ ዝገብር ሜላ ናይ ቃልሲ እንተ ተኸቲልካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  21. ... ኣብ ቃልሲ ደረት ርሕቀትካ እንተ ፈሊጥካ፡ ኣብ ዘይተቐረበልካ መኣዲ ፖሎቲካዊ ሓሳብ ኢድካ እንተ ዘይሰዲድካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  22. ... ናይ ዓንቀፍቲ ቃልስኻ ቃላት ከም ጓሓፍ፡ ንነብስኻ ድማ ከም ንኹሉ እትጸውር ጐዱፍ ምዃንካ ኣሚንካ እንተ ተቓሊስካ ክትዕወት ኢኻ፡ 

  23. ... „ንሓርነተይ መስዋእቲ ክኸፍል ድሉው ኣለኹ " እናበልካ፡ ንጸርፍን ኣብ ጉዕዞ ክእረሙ ንዝኽእሉ ደቀቕቲ ነገራትን ብነብሰ ምክልኻል ዝመስል ግብረ መልሲ ክትህብ ግዜን ጸዓትን ትኸፍል እንተ ደኣ ኮይንካ ገና ኣይበሰልካን፡ ንቓልሲ ኣይበቓዕካን ኣለኻ። 

NB. – ኣብዞም ተዘርዚሮም ዘለዉን ንዕኦም ዝመስሉን ክፉት ኣእምሮ እንተ ደኣ ኣለካ ኣብ ሓጺር ናይ ቃልሲ ጉዕዞ ክትዕወት ኢኻ፡

  •  ኣብዞም ተዘርዚሮም ዘለዉን ንዕኦም ዝመስሉን ፍርቀ ፍርቂ እንተ ደኣ ኮይኑ ኣረኣእያኻ ጉዕዞ ቃልስኻ ብዕጽፊ ክውስኽ 'ዩ፡

  • ነዞም ተዘርዚሮም ዘለዉን ንዕኦም ዝመስሉን ዘይቅበል ቅኑዕ መረዳእታ እንተ ደኣ ዘይብልካ፡ ክትጓዓዝ ትኽእል ኢኻ ግን ፈጺምካ ኣይትዕወትን ኢኻ፡

 

Eritrean Blue community Germany e.V ፡ሰመያዊ ማሕበረሰብ ጀርመን

Schriftstück